Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)3ይ ብሄራዊ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተኻይዱ።

”ናይ ሓደ ሰዓት ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ንሚሊየናት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ እቲ መርሃ ግብሪ÷ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ንኸጠናኽርን ሓድነቱ ከደንፍዕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ -ግብሪ ኣብ መላእ ክፋላት እታ ሃገር ዝተኻየደ እንትኸውን ኩሉ ኣብ ዘለዎ ቦታ ከምኡ እውን ኣብ ዝተመረፁ ናይ ክልል ማእኸላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፉሉ ተኻይዱ።

በዚ ድማ ን1 ሰዓት ዝኣክል ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.