Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምጥያሽ ፎሮም ዓለም ለኻዊነት ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ለኻዊነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ፎረም ንምጥያሽ ዘኽእል ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ ዘተ ብመደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ፥ ኣብ ዓለም ለኻዊነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታታ ምስ ዓለም ለኸ፣ ዞባዊን ሃገራዊን ትዕዝብቲታት ኣተሓሒዞም ኣቕሪቦም።

ፕሮፌሰር አፈወርቅ፥ እቲ ፎረም ንምጥያሽ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዘለዎ ቆራፅነት ብምግላፅ አብ ቀፃሊ ዝህልዉ ከይዲታትን ኣንፈት ኣቐሚጦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ዓለም ለኻዊነት ዘተኮሩ ጉዳያት ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምርቃቕ ፖሊሲሲታትን ስትራቴጂታትን ዝርከቡሉ ብርኪ ቀሪቡ።

እቲ ዝተኻየደ ዘተ ቀፀልቲ ስራሕቲ ብምፍላይን መዛዘሚ ዝተተለሙ ስራሕቲ ደረት ብምቕማጥን ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ኣብ ምስረታ እቲ ፎረም፣ ኣብ ምዝዛም ዝርከቡ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብዘተ ኣማዕቢልካ ክፀድቁ ብምግባርን ኣብ ዓለም ለኻዊነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘሎ ግንዛበ ብምዕባይን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ዝስርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ዳይሬክተራት ዓለም ለኸ ቢሮን ኣባላት ኣመራርሓን ዩኒቨርሲታት ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለ፣ ሃዋሳ፣ ጅማ፣ ጅግጅጋ፣ ባህርዳርን ሰመራን፣ ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ፣ ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.