Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምጥያሽ ጥምረት ምትሕብባር ዝጠመተ ምኽክር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ጥምረት ምትሕብባር ምጥያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ቅድመ ኩነት ዝጠመተ ፈላማይ ምኽክር ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓዱሽ ተስፋይ (ፕ/ር)÷ እቲ ክልል ኣብ ፅባሕ ኲናት ዝርከብ ምዃኑ ብምግላፅ ብፍላይ መናእሰይ ንዘይሕጋዊ ገበን ዝውውር ሰባት ተቓላዕቲ እናኾኑ ይርከቡ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ክልል ምርመራን ክትዕን ካብ ሞንጎ ዝግበረሎም ጉዳያት ልዑል ቁፅሪ ዝሕዙ ብሰባት ናይ ምንጋድ ገበናት ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ኣፈፃፅማ እቶም ገበናት ዝተሓላለኸን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እውን ዝሳተፉሎምን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ክልል ምጥያሽ ጥምረት ምትሕብባር እቲ ፀገም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከምዝሕግዝ ብምግላፅ፤ እቲ ክልል ከምዝድግፎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ ቢሮ ፍትሒ ኣብቲ ጥምረት ዝህልዎ ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ንምውፃእ ድሉው ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስቴር ፍትሒ ሓዊሱ ዝምልከቶም ትካላት ፌደራል እውን ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ንኽገብሩ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ጥምረት ምትሕብባር ፍልሰት ኣይተ ኣብርሃም ኣያሌው ብግደኦም÷ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ጥምረት ንምስረታ እቲ ጥምረት ምትሕብባር ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ጥምረት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት ብምትሕብባር ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ÷ ዓለም ለኸን ናይ ውሽጢ ሃገር ፍልሰትን ጭቡጥ ኩነታ፣ ማዕቐፋት ሕጊን ውዳበታትን ዘርእዩ ፅሑፋት ከምዝቐረቡ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.