Fana: At a Speed of Life!

ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተቐበሉ ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተቐበሉ ዕጡቓት ኣብ ትሽዓተ ማእኸላት ስልጠና ተሃድሶ ስልጠና ከምዝጀመሩ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ልዕሊ 700 ዕጡቓት ኣብ ማእኸል ተሃድሶ ጠዳ ሎሚ መዓልቲ ስልጠና ምውሳድ ጀሚሮም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ቢሮ በሪሁን መንግስቱ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ዝተረጋገአ ሰላም ንምፍጣር መንግስቲ ብዝተወደበ መልክዑ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እናሳለጠ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ብዝተወገኑ ተግባራት ድማ በቢከባቢኡ ሰላም ብምዕሳል ዝሐሸ ውፅት ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

ጎድና ጎድኒ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እውን ብዝተሰሓሓተ መገዲ እናተንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ብምዝታይ ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም።

በዚ ድማ መንግስቲ እቲ ክልል ገበሮ ዕላዊ ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉን ኣማራፂ ሰላም ዝተኸተሉን ናብ ሕብረተሰ ናይ ምፅምባር ስራሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ዝኣተዉ ስልጠና ተሃድሶ ምስ ዛዘሙ ሰላማዊ ህይወት ዝጅምሩሉ ኩነታት ብቕልጡፍ ናይ ምምችቻው ስራሕ ክውገን ኢዩ ኢሎም።

ብዝተሰሓሓተ መገዲ ኣብ ፀገም ዝኣተዉ ወገናት ሰላማዊ ኣማራፂ ንኽኽተሉ እቲ ፃውዒት ሰላም ዕድል ዕምዝፈጠረ ድማ ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ጎንደር ኣይተ ኣላምረው ኣበራ ኢዮም።

ሰልጠንቲ ተሃድሶ ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል መምርሒ ብምኽታል ንዘብዒ ሰላም ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም።

ፃውዒት ሰላም ብምቕባል በቲ ተግባር ተናሲሖም ዝኣትዉ ወገናት ዝበደሉዎ ሕብረተሰብ ብልምዓት ክኽሐሱ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ስነ-ስርዓት መጀመሪ እቲ ን10 መዓልቲታት ዝፀንሕ ስልጠና ተሃድሶ÷ ኣባላት ኣመራርሓ ክልልን ዞባን፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.