Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ተዛቲየን፡፡

“ዝሰልጠነ ስርዓት ንግዲ ንዝዓዘዘ ዕብየት ኣታዊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ዘተ እንትኸውን÷ ኣብቲ መድኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ምምሕዳር ከተማ ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ግልጋሎት እቲ ዓውዲ ብምዝማን ንማሕበረሰብ ንግዲ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ምይይጥ ከምዘካየደ ተገሊፁ፡፡

ማሕበረሰብ ንግዲ ናህሪ ዋጋ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ንኽዋፃእ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሓቲቱ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ልምዓት ሃገር ትርጉም ዘለዎ ኣስተዋፅ ንኸበርክት ይስራሕ ኣሎ።

ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ዝደልዮም ሓገዛት ከምኡ እውን ንሃገር ኣብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ዝምልከት ብምውዳድ ከምዝስራሕ ብምግላፅ እዚ ድማ ኣብ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.