Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብ15 ሚሊየን ብር ዝተፀገና ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ግልጋሎት በቒዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እምባስነይቲ ከተማ ነበለት ግዱሳት ፈተውቲ ዓዲ ብር 15 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ዘፀገንወን ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ግልጋሎት በቒዐን።

እተን ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ሙሉእ ብሙሉእ ዕንወት ዝበፅሐን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ብግዱሳት ወገናት ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱን ተፀጊነን ኢየን ንግልጋሎት በቒዓን ዘለዋ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዑሽ( ዶክተር)፥ ሕልፊ ዓድኻን ህዝብኻን እንትትፎቱ እምበር ሕልፊ ስለዘለካ ኣይኮነን እትህብ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቶም ወገናት ንዘበርከትዎ ሓገዝ አመስጊኖም።

እተን ዝተፀገና ኣብያተ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ነበርቲ እቲ ከባቢን ካልኦት እዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ንሕብረተሰብን ምምሕዳር እቲ ከባቢን ተረኪበን።

እዚ ንመፃኢት ትግራይ ዝተገበረ ኢንቨስትመንት እዩ ብምባል፥ ነቲ ሰናይ ተግባር ዝፈፀሙ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱ ልዑል ክብሪ ይግብኦም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.