Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝሕሉ መፍትሒ ንምብፃሕ ብቖራፅነት ክትቅፅል ኢያ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲን ብፍትሓዊ ድርድርን ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዘሕሉ መፍትሒ ሓሳብ ንምብፃሕ ዘለዋ ቖራፅነት ሒዛ ከምትቕፅል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ÷ ኣብ ጉዳይ ራብዓይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

ካበ 7 ክሳብ 9 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም እተን ሃገራት ራብዓይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያደን ገሊፁ።

ኣርባዕተ ዙር ድርድር ዝተኻየደ ብሓበራዊ ምርድዳእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣህመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ኣብዱልፈታህ ኤል ሲሲን ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

“እቶም መራሕቲ ንሰብ ሞያ ኣንፈት ብመሃብ ናይ ግድብ ህዳሰ ቀዳማይ ኣመላልኣን ዓመታዊ ስራሕን ኣመልኪቱ ዝወፅአ ደምቢን መምርሒ ዛዚምካ ክቕፀል ንምግባር ኣድላዪ ዘበለ ፃዕሪ ንኽግበር ፅዒሮም ኢዮም” ኢሉ።

እቲ ንኣርባዕተ ዙር ዝቐፀለ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዘለዉ ቀንዲ ቀንዲ ኣፈላላይ ዝፈጥሩ ጉዳያት ዓሚቕ ዘተ ንኽገብሩሎም ከምዝሓገዘ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ በዞም ኣርባዕተ ዙራት ምስ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ኣፈላላያት ንምፍታሕን ኣብ ስምምዕነት ሰላም ንምብፃሕን ፃዕሪ ከምዝገበረት ገሊፁ።

ይኹን እምበር ግብፂ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘበን ኣተሓሳስባኣ ብመሓዝ ናብ ስምምዕነትን ምትሕብባርን ዝወስድ መገዲ ዓፂያቶ” ኢሉ እቲ መግለፂ።

ናይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ የኢትዮጵያ ቀዳማይ ኣመላልኣን ዓመታዊ ስራሕን ኣመልኪቱ ዝወፅአ ደምቢን መምርሒን ኣመልኪቱ ዝተገበረ ድርድር ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ምትእምማን ንምፍጣር እምበር ኣብ አጠቓቕማ ሩባ ኣባይ መሰል ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝዓለመ ኣይኮነን ዝበለ መግለፂ እቲ ሚኒስቴር፤ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማያ ብፍትሓዊን ምኽንያታዊን ኣጠቓቕማ ብምምርኳስ ናይ ሕዚን መፃኢን ወለዶ ድሌት ንምምላእ ፃዕራ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ዕላዊ ክትገበር ከምትደሊ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲን ፍትሓዊ ድርድርን ረብሓ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘሕልው መፍትሒ ሓሳብ ንምብፃሕ ዘለዋ ቆራፅነት ሒዛ ከምትቕፅል እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ኣረጋጊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.