Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ምስ ስፔን ዘለዋ ምትሕብባር ናብ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ስፔን ዘለዋ ታሪኻዊን ሰፊሕን ምትሕብባር ናብ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዋ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኢትዮጵያ ፃንሒት ስረሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ስፔን ማኑኤል ሳላዛርን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ምፍናው ገይሮምሎም።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ኣፀጋሚ እዋናት ኣብ ዘጋጠሙዋ ግዘ ስፔን ንዘርአየቶ ኣብ መምርሒ ዝተመርኮሰን ቀፃሊ ዝኾነን ቅዋም ምሓዛ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምትህብ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምስ ስፔን ዘለዋ ታሪኻዊን ሰፊሕን ምትሕብባር ስትራቴጂካዊ ብርኪ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ማኑኤል ሳላዛር ኣብ ፃንሒቶም ሕውነታዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምስፋሕ ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ እውን ኣመስጊኖም፡፡

ኣምባሳደር ማኑኤል ብግደኦም÷ ስፔን ንኢትዮጵያ ከም ዓባይ መሓዛ ከምትቖፅር ምግላፆም ካበ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባር ልምዓት፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ኣቪዬሽንን ካልኦት ዓውዲታትን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ከምዝወሰኸ እውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.