Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ንክልተ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሃውቲ ከምዝሓምሸሸት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ንክልተ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሃውቲ ከምዝሓምሸሸት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ብሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት የመን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መራኽባ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለት ኢያ ገሊፃ።

ሚኒስትር ሓይሊታት ሰራዊት ፈረንሳይ ሰባስቲያን ለኮርኑ፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብዛዕባ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ መብርሂኦም፥ ክልተ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሃውቲ ተወቒዐን ከምዝተሓምሸሻ ተዛሪቦም።

እተን ኣውሮፕላናት ካብ የመን ዝመፅኣ እነትኾና፥ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዙሕ ልኡኽ ብምሓዝ እትንቀሳቐስ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ፈረንሳይ ዕላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ንምፍፃም ሓሲበን ከምዝነበራ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ንክልቲአን ኣውሮፕላናት ንምውቃዕ ብዝተወንጨፈ ኣስቴር 15 ዝተብሃለ ሚሳኤል ተወቒዐን ከምዝተሓምሸሻ ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.