Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ጣሊያን ሰነድ ስምምዕነት ትግበራ ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲን ስልጠናን ጣሊያን ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ትግበራ ከቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዐነት፥ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)ን ሚኒስትር ትምህርቲን ስልጠናን ጣሊያን ጁሴፔ ቫልዳይታራ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዜካ ብዘይ ኣፈላላይ ብርኪ ኢኮኖሚ ፈትሓውነቱን ፅርየቱን ዝሓለወ ትምህርቲ ንምቕራብ የስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ጁሴፔ ቫልዳይታራ ብግደኦም፥ ጣሊያን ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን፣ ቋንቋን ባህሊን ከምኡውን ኣብ ተምሃሮን መምህራንን ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ብምትሕብባር ንምስራሕ ባህጊ ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝግበር መትሕብባር ትምህርቲን ሰልጠናን ናብ ዝሓሸ በርኪ ክብ ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.