Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ግደና ንፈፅም-መራሕቲ ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ግደና ንፈፅም ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ገሊፆም።

ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ደቡብ ወሎ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ከተማ ደሴ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣካይዱ።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ሰላም ንኹሉ ኣድላዪ ብምዃኑ ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ድልዋት ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ንመናእሰይ ብምምዓድ ሰላም ንክነግስ ብትካላት እምነት ክነምህር ኢና፤ ወላዲ ውላዱን ስድርኡን ብምምዓድን ዘጥፈአ ብምእራምን ንምንጋስ ሰላም ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

መንግስቲ ንሰላም ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዘሐጎሶምን ነዚ ከምዝድግፉን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.