Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኣንበሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ ብመንግስቲ ንዝቐረበ ፃውዒት ብምቕባል 25 ሚልየን ብር ኣወፊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ደርቂ ስዒቡ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝቐረበ ፃውዒት ብምቕባል 25 ሚልየን ብር ሎሚ መዓልቲ ኣወፊዩ።

እቲ ባንኪ ሎሚ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ዝነበረ ስነ ስርዓት፥ 25 ሚልየን ብር ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዘረከበ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ካብኔ ሴክሬተርያት ትልሚ፣ እቶትን ምሕደራ ሃፍትን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓጎስ ጎደፋይ (ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ባንኪ ኣንበሳን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላተን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ኣይተ ዳንኤል ተኸስተ፥ ኢኮኖሚ ክልል ትግራይ ንክብርኽን ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ንምክልኻልን እቲ ባንኪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.