ኮንፈረንስ ምስጋናን ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፈረንስ ምስጋናን ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ኮንፈረንስ፥ “ ቀፃሊ ምዕራፍ ንኩለ መዳይ ለውጢ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከመዝኾነ ተሓቢሩ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ሼኽ ሓጅ ኢብራሂም ቱፋ ሓዊሱ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ገብሪ ናይ ሙስሊም ኡማ ካብ 1960 ጀሚሩ ሰለማዊ ሕቶታት እንትሓትት ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣገልግሎት ባንኪ ካብ ወለድ ናፃን ሙስሊም ተኣኪቡ ንሶላት ዒድ መስገዲ ይወሃበና ብዝብል ንዝሓተትዎ ምላሽ ከምዝረኸበ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን መንገስቶምን ዝኣተውዎ ቃል በምሕላዎም ምስጋና የግበኦም ተባሂሉ።
ብፈትያ ዓብደላ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።