Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ውልቀ ዘፈር ትጠልብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ውልቀ ዘፈር ከምትጠልብ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኮፕ-28 ኣብ ዝተገበረ ፓናል ዘተ÷ ኢትዮጵያ ለአየር ንክሌማዊ ለውጢ ዘየብዳህ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረቶ ትርከብ ምንቅስቓስ ዝምልከት ልምዲ ኣካፊለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ስጉምቲታት ንብረት ኣየር ምስ ሃገራዊ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ዘፈር ውልቀን ብምጥዕዓም ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ልምዓት ከተማ ጋህዲ ንምግባር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ብሓበሬታ ዝማዕበለን ዘላቒ ዝኾን ፕላን ከተማ ኣድላዪ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ሓቢረን።

“ዝሕደስ ሓይሊ ብምጥንኻር፣ ስማርት ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ብምግባር፣ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ብምምጥጣንን ስነ ምህዳር ብምሕላውን ከምኡ እውን ምልቃቕ ካርበን ብምንካይ ስግግር ልምዓት ጋህዲ ንምግባር ሃገራዊ ራኢ ኣለና” ክብላ ገሊፀን።

ዘፈር ውልቀ ንብረት ኣየር ኣብ ግምት ዘእተዉ ኢንቨስትመንታት ንኽዋፈሩ÷ መንግስቲ ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ልውውጥ ልምዲን ንምሕጋዝ ድሉው ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.