Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ እናተሃነፁ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ተጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶን ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት እቲ ባየቶን ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት እናተሃነፁ ይርከቡ።

ዶክተር ሊያ ታደሰ እቶም ፕሮጀክታት ኣመልኪተን ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝገበረኦ ገለፃ÷ 2 ቢሊየን ብር በጀት ዝተትሓዘሎምን ኣብ ውሽጦም ልዕሊ 1 ሺሕ ዓራት ዝሕዙን ፕሮጀክታት ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ እቶም ፕሮጀክታት÷ መውሀቢ ግልጋሎት ሕክምና ልቢ፣ ካንሰርን ካልኦት ማእኸላት መውሀቢ ግልጋሎት ሕክምናን ከምዝኾኑ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት እንትዝዛዘም ድማ ኣብ ዘፈር ጥዕና ብፍላይ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም ገሊፀን፡፡

ዕላማ ዑደት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ÷ እቶም ፕሮጀክታት ዝርከቡሉ ኩነታት ብምዕዛብ ኣድላዪ ክትትልን ሓገዝን ንምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.