ወታደራዊት ኣውሮፕላን ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ጃፓን ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓንቲ ወታደራዊት ኣውሮፕላን ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ጃፓን ጠረፍ ባሕሪ ደሴት ያኩሺማ ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።
እቲ ኩነታት ስዒቡ ሓለውቲ ጠረፍ ባሕሪ ጃፓን ኣብቲ ቦታ ትዕዝብቲ መርከባትን ኣውሮፕላናትን ከምዝተለኣኻ ዲፌንስ ብሎግ ፀብፂቡ፡፡
ፍልፍላት ሚኒስቴር ምክልኻል ጃፓን ከምዝገለፁዎ÷ “ሲቪ-22 ኦስፕሬይ” እናተብሃለት ትፍለጥ ኣውሮፕላን ቅድሚ ምሕምምሻሻ ጃፓን ኣብ ጦር ሰፈር ኣሜሪካ ዮኮታ ሸሞንተ ሰባት ኣሳፊራ ነይራ፡፡
ኣቐባሊ ቃል ሓይሊታት ጦር ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ኩነታት ሓበሬታ እናኣከቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com