Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ወረዳ ኣበርገለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ንዘለዉ ህፃውንቲ ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ምብራቕን ወረዳ ኣበርገለን ንዘለዉ ህፃውንቲ ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ሂቡ።

እቲ ደገፍ ካብ ትካል ሓገዝ ፈረንሳይ ዝተረኸበ እንትኸወን፥ ካብ 6 ክሳብ 12 ወርሒ ንዘለው ህፃናት ዝከፋፈል 1 ሺሕን 200 ካርቶን ፀባ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብቅልጡፍ ንፀገም ንዝተቓልዑ ህፃውንቲ  ከምዝወሃብ ድማ እቲ ዩንቨርስቲ ኣፍሊጡ።

ብዋናነት ኣብ ዞባ ምብራቕን ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣበርገለን ንዘለው ህፃውንቲ ተበፃሒ ከም ዝገብር ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.