Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ጉዳያት መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ ኣብዚ ዓመት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ከመርቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጉዳያት መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ ንርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮ-ቻይና ብዝበለፀ ንኽጉልብት ኣብ መፅናዕቲ ትምህርቲ ቋንቋታት እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ዳይሬክቶሬት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬኢ ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ሰን ዮዥንግ ተዛቲዮም፡፡

ሰን ዮዥንግ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ዓመት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ብቐዳማይ ዲግሪ ከመርቕ ኢዩ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብግደኦም÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቀፃሊ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ ካልኦት ቋንቋታት ኢትዮጵያ ንኸምህር ሓቲቶም፡፡

“ኣብዚ ዓመት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝምረቑ እውን ኣምበሳዳራት ርክብ ኢትዮ-ቻይና ኢዮም” ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.