Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ብዝተለኣኸ ገንዘብ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተለኣኸ ገንዘብ (ሬሚታንስ) ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንኽርከብ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን÷ ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገምጊሙ፡፡

ካብ ግልጋሎት ቆንስላን ክራይ ህንፃን ልዕሊ 341 ሚሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኸኣለ ኣብቲ ገምጋም ተፀሪሑ፡፡

1 ሺሕ 67 ኣብ ወፃኢ ሃገር ጥሕሰት መሰል ዝበፅሖም ዜጋታት ካሕሳ ንኽረኽቡ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ፡፡

ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝተጓዓዙ 10 ሺሕን 672 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.