Fana: At a Speed of Life!

ሳይንስ ሙዚዬም ንኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ንቕድሚት ንምስጋር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሳይንስ ሙዚዬም ንኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ንቕድሚት ንምስጋር ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝፍት ኣባላት ፓርላማ ፓን አፍሪካ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊ ኣኼበኦም እናካየዱ ዝርከቡ ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣባላት ፓርላማ ፓን አፍሪካ ኣብ ሳይንስ ሙዚዬምን ሓንድነት ፓርክን ዑደት ገይሮም፡፡

እቶም ኣባላት ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝበሉዎ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ት ተግባራዊ እናገበሮም ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኣፍሪካ ኣርአያ ዝኾኑ ኢዮም፡፡

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብስፍሓት ክሰርሓ ከምዝግባእ ብምሕባር፥ ከም ሳይንስ ሙዚዬም ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ንዕቤት ኣፍሪካ ከሳኒ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ሓበራዊ ኣኼበኦም እናካየዱ ዝርከቡ ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣባላት ፓርላማ ፓን አፍሪካ፥ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ሕጋዊ ዘይኮነ ምስረታ መንግስቲን ዲፕሎማሲ ፓርላማን እናዘተየ ሞዃኑ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.