Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኣዋጅ መመሓየሺ ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኣዋጅ መመሓየሺ ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ዓመት 6ይ ስሩዕ ጉባኤ÷ ክልተ ኣዋጃት መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

ንኣዋጅ ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ፀብፃብ ድሕሪ ምዝታይ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ኣፅቑዎ፡፡

ኣብቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ፍሉይ መሰል፣ ጥቕማ ጥቕሚ ሰራሕተኛታት ከምዝተኻተቱን ብቐንዱ ድማ ሓሙሽተ ጉዳያት ከምዘለዉዎን ተሓቢሩ፡፡

ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነን ከምኡ እውን ርኢቶ ተቐቢሎም ኣድላዪ እርማትን መስተኻኸሊን ዘይወስዱ ትካላት÷ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣድላዪ ስጉንቲ ናይ ምውሳ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ ጉባኤ ኣገንዚቦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ እቲ ባይቶ÷ ረቂቕ ደምቢ መመሓደሪ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣመልኪቱ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ዘቕረቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ብ2 ተቓውሞ ኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.