Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ምስ ጀርመን ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ልዝብ ኣካይዶም ኢዮም – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ርክብ ክልቲአን ብሓዱሽ ዓውዲ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ልዝብ ከምዘካየዱ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ጉባኤ “ጂ-20 ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ” ኣቐዲሞም ምስ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓበራዊ ዓውዲታት ምትሕብባር፣ ውሽጢ ሃገርን ዞባዊ ጉዳያትን ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንብዙሓት ዓመታት ዝፀንሐን ጥንኩርን ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምጥንኻር ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ውሕስና ምግባ ንኽተረጋግፅ ምትሕብባር እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እዚ ርክብ ብሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ውፅኢታዊ ልዝብ ከምዝገበሩ ፀሪሖም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብፍላይ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንምድጋፍ ከምኡ እውን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ልምዓትን ንምግባር ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻር ከምኡ እውን ዘፈር በዓል ብዙሕ ወገን ምሕዝነት ንምጉልባት ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.