Fana: At a Speed of Life!

መሰረተ ልምዓት መስኖ ንምድጋፍ ዘኽእል ልዝምብ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ኤግዚም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኢ/ር ኣይሻ መሓመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ኤግዚም ሪፐብሊክ ደቡብ ኮሪያ በቲ ሚኒስቴር ንምውጋን ዝተሓሰቡ ፕሮጀክታት ክድግፉ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ሚኒስትር ኢ/ር ኣይሻ መሓመድ÷ ኢትዮጵያ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ልዕሊ 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከመኡ እውን ልዑል ዓቕሚ ማይ ከምዘለዋ ተዛሪበን፡፡

ይኹን እምበር ብዓቐንን ውፅኢታዊነት እናተጠቐመትሉ ከምዘይኮነት ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ብተደጋጋሚ ብሓደጋ ድርቂን ውሕጂን ከምትጥቃዕ ተዛሪበን።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ በርቲዓ እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፀን፡፡

ብምዃኑ ንህንፀት መሰረተ ልምዓት መስኖ ዝኸውን ልቓሕ ካብቲ ባንኪ ክንረክብ ንደሊ ኢና ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ኪ-ዩን ሂዋንግ÷ እቲ ባንኪ ብፍላይ ኣብ ልምዓት መስኖ ከርሰ ምድሪ ማይ ቦረናን ሱሉልታ ንኽድግፍ ዶኩመንታት መፅናዕቲን ዲዛይንን ከመዝሓተተ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.