Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ደኒ ሬድ ፕላስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ሬድ ፕላስ’ ዝተባህለ ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ደኒ ካልኣይ ምዕራፍ ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትሩ ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ደኒ ምግቢ፣ ዕንጨይቲ፣ መኖ እንስሳትን መድሓኒትን ክኾኑ ዝኽእሉ እጽዋት ንደቂ ሰባት ዘቕርብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ስነ-ምህዳራት ደኒ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል፣ ምሽርሻር መሬት ብምንካይ፣ ግድባት ብደለል ከይምልኡ ምግባር ኩለመዳይ ረብሓ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ዘፈር ደኒ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ፈጠራታት እናተግበረት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ደኒታት ምሕላውን ዝዓረቑ መሬታትን ናብ ዝነበሩዎ ምምላስ ከምዝተኸኣለ ኣገንዚቦም፡፡

ዝተፈላለዩ እፅዋትን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቡላ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ካብ ዝፍለጡ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.