Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ፓስፖርት ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ፓስፖርት ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ግልጋሎት ኢምግሬሽንን ዜግነትን ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሰላማዊት ዳዊት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 531 ሺሕን 800 ፓስፖርት ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዩ።

እቲ ፓስፖርት ቅድሚያ ንዘድልዮም ዜጋታት ክወሃብ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እተን ዋና ዳይሬክተር ወሲኸን ገሊፀን፡፡

በዚ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነዘመልክቱ ቅድሚት ብመሃብ 45 ሺሕ 366 ፓስፖርት ከምዝተኸፋፈለ ፀሪሐን።

ፓስፖርት ዝተሓተመሎም ዜጋታ ብውልቀ ስልኮም መልእኽቲ ብምልኣኽ ፓስፖርቶም ክወስዱ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.