Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሴሚናር÷ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ጂኦፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ሓጋዊን ዲፕሎማሲያዊ ምልከታ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝንፀባረቐሉ ሴሚናር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተጠባባቒ ፕሬዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(ዶ/ር)÷ ዩኒቨርሲቲታት ትኽክለኛ ኣንፈት መፍትሒ ኣመላኸትቲ ንኽኾናን ኣካዳሚያዊ ናፅነተን ንኽሕሎን ራስ ገዝ ክኾና ዝተጀመረ ፃዕሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብቀዳምነት እናተግበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ ኣጠቓቕማ ወደብ ብመንፅር ጂኦፖለቲካዊ ምልከታ ዝትንትን መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ።

ብምስክር ስናፍቅ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.