Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ፍተሻ ገዘ ንገዛ ልዕሊ 3 ሚሊየን ገዛውቲ ተባፂሑ – ዶ/ር ሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝተገበረ ፍተሻ ገዘ ንገዛ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ገዛውቲ ከምዝተባፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፍተሻ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ሕብረተሰብ ዘርከበሉ ኩነታት ንምፍላጥ ዝሕግዝ ዳህሳስ ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ምልክት እቲ ቫይረስ ዝተርኣየሎም 427 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተፈለዩ ተዛሪበን።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቐቓስ ፈለማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ብየብስን ኣብ ዝኣትዉ ሰባት ትኹረት ከምዝተገበረ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ከይዲ ድማ እቲ ዳህሳስ ናብ ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ክስፋሕፋሕ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኤባ አባተ ብግደኦም፥ ስራሕቲ ምውዳድ መመርመሪ ጣቢያታት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተጠናኸረ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ መመርመሪ ጣቢያታት 20 ከምዝበፅሓን ናይ ምምርማር ዓቕመን እናዓበየ ከምዝፅእን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.