Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ውድድር ፈጠራ ስራሕ ተምሃሮን መምህራንን ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)8ይ ሃገር ለኸ ውድድር ፈጠራ ስራሕ ተምሃሮን መምህራንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መራሒ ኣፈፃሚ ልምዓት ኣመራርሓ መምህራንን ትምህርቲ ሙሉቀን ንጋቱ (ዶ/ር)፥ ስራሕቲ ፈጠራ ናይ ሎሚ ውፅኢት ጥራሕ ዝዓለመ ዘይኮነስ ንቀፃሊት ኢትዮጵያ ፀገም ዝፈትሕ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሎሚ ዓቢየን ንሪአን ሃገራት ዝበፅሐኦ ብርኪ ዕቤት ቀንዲ ሚስጥር ሳይንስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዳይሬክተር ስቲም ካንትሪ ወ/ሮ ኣሰገደች ሻውል ብግደአን፥ ሳይንስን ትምህርቲን ብተግባር ኣደጊፍካ ብምምሃርን ካብ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲታት ዘለዉ ስራሕቲ ፈጠራ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ገሊፀን።

ኣብዚ ሃገር ለኸ ውድድር ስራሕቲ ፈጠራ 211 ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ ከምዝቐረቡ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ትምህር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዓውደ ምርኢት ውድድር ስራሕቲ ፈጠራ ተምሃሮ ንሰለስተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.