Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ባህጊ ኣይብላን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ባህጊ ኣይብላን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዲፕሎማሲን ሕቶ ወደብን ኢትዮጵያ ጠሚቶም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።

ቀንዲ መዐቀኒ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ተሓጋጊዝካን ተሓባቢርካን ምስራሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብቲ መዐቀኒ ብሄራዊ ረብሓ፣ ልኡላዊነት፣ መልከኣ ምድራዊ ታሪኻዊ ትሩፋት ዝብሉ ነጥብታት ከምዘለውዎ ኣብሪሆም።

ናብ ብሪክስ ምእታው ብዝምልከት፥ ንሓደ ወገን ደጊፍና ነቲ ካሊእ ተቓዊምና ዘይኮነስ ካብ ረብሓና ብምብጋስ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ኩለን ሃገራት ተሓባቢራ፣ ተደጋጊፋ ምምዕባል እንበር ካብዚ ወፃእ ንባዕላ ብምርባሕ ንካሊእ ምጉዳእ ኣይትደሊን ክብሉ ድማ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወደብ ብዝምልከት ዘልዓሎ ሕቶ ሓዱሽን ልኡላውነት ሃገራት ንምጉዳእ ዝተልዓለን ከምዝኾነ ኣምሲሎም ዘቕርቡ ኣካላት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ሕቶ ወደብ ካብ ሓቃዊ ደልየት ዝብገስ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ሃገር ናይ ምጉዳእን ምውራርን ባህጊ ከምዘይብላ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ቅድሚ 30 ዓመታት ክልተ ወደብ ነይሩዋ ብምባል፥ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቁፅሪ ህዝቢ ይኹን ዓመታዊ ዕብየት ኢኮኖሚ ምስቲ ሐዚ ዘሎ እንትነፃፀር ውሑድ ኢዩ ኢሎም።

ስለዚ ሐዚ ዘለና ቁፅሪ ህዝቢ ኣብ ዝውስኸሉ እዋን፣ ሰደድ ወፃኢን ኣታዊን ብ20 ዕፅፊ ኣብ ዝማዕበለሉን ኣጠቓላሊ ኢኮኖሚና ኣብ ዝምዕብለሉን እዋን ወደብ ብዝምልከት እነቕርቦ ሕቶ ብዘተን ልዝብን ምፍታሕ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ሕቶ ሓዱሽ ሕቶ ዘይኮነስ ሓይሊ ባሕሪ እንትንሃንፅ መበገሲኡ ባሕሪ ንምድላይ ምዃኑ ካብ ዘይምግንዛብ ኢዩ ክብሉ ድማ ኣዘኻኺሮም።

ሕቶ ወደብ ምቕራብ ማለት ልኡላውነት ኤርትራ ንምድፋእ ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ባህጊ እውን ኣይብላን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ይኹን እንበር ብሕጊን ማዕቐፍ ቢዝነስን ንዛተ ኢና ንብል ዘለና ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቑፅሩ ይኹን ኢኮኖሚኡ ይዓቢ ስለ ዘሎ እዚ ጉዳይ ግዘ ከይወሰድና ሐዚ መፍትሒ ክንገብረሉ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለና። ጥምየት፣ ፀገም፣ እንተይመፅአ ተዘራሪብና ሕጋዊ መፍትሒ ነምፅእ ኢና ዝበልና። ስለዚ ሕቶ ምቕራብና ከም ነውሪ ክውሰድ ኣይብሉን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዚ ጉዳይ እንተዘይተፈቲሑ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ፍልሰት መናእሰይ ተዛሚዱ ስዑዲ፣ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ካልኦትን እውን ዘምፅኦ ሳዕቤን ክግንዘብኡ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ድሕንነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣለና፤ ግን ናይ በይንና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ሰላም ኢና ንደሊ። ወደብ እንትለዓል ምስ ኲናት፣ ጎንፂን ካልእን ክዛመድ እውን የብሉን ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.