Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ጥዕናን መዳርግቲ ኣካላትን ሕማም ዓሶ ንምቁፅፃርን ንምጥፋእን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ጥዕናን መዳርግቲ ኣካላትን ሕማም ዓሶ ንምቁፅፃርን ንምጥፋእን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኢዮም ፈሪሞምዎ።

ሕማም ዓሶ ናይ ምውጋድ ተግባር ኣብ መላእ ሃገር እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ዶክተር ደረጀ፥ ቫይረስ ኮሮና ምስ ምምፅኡ ስዒቡ ለበዳ ሕማም ዓሶ ዝኸፍአ ጉድኣት ከየስዕብ ዝሓለፈ ስራሕ ብምግምጋም ናብ ቀፃሊ ስራሕ ምእታው ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቅላስ ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፥ ሕማም ዓሶ ይኹን ካልኦት ሕማማት ጉድኣት ከየስዕቡ ዘድሊ ኹሉ ንምግባር ሓገዝ መዳርግቲ ኣካላት ልዑል ግደ ከም ዘለዎ እውን ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተሳለጡ ተግባራትን ውፅኢቶምን ብምግምጋም ቀፃሊ ስትራቴጂክ ትልሚ ንምድላው ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ክሳብ 2025 ዝትግበር ሓዱሽ ስትራቴጂክ ትልሚ ከምዝዳሎ እውን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.