Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ንጋዛ ብወታደራዊ ሓይሊ ክተመሓድር የብላን ክትብል ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ንጋዛ ብወታደራዊ ሓይሊ ክተመሓድር የብላን ክትብል ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁ፥ እስራኤል ወታደራዊ ሓይሊታት ንጋዛ ካብ ምቁፅፃር ሓሊፉ ዝተናወሐ ወታደራዊ ሓላፍነት ክዋፅኡ ኢዮም ኢሎም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣሜሪካ፤ “እስራኤል ንጋዛ መሊስካ ምቁፅፃርን ንነዊሕ እዋን ተቖፃፂርካ ምፅናሕ ሓደጋ ኣለዎ” ክትብል ኣጠንቂቓ።

ኣቐባሊ ቃል ብሄራዊ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ÷ እስራኤል ኣብ ጋዛ እግረኛ ጦራ ብምስፋርን ጋዛ ዳግም ብምቁፅፃር ንነዊሕ እዋን ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምሕዳር ዝተለመቶ ትልሚ ደጊማ ክትምርምሮ ኣጠንቂቖም።

“ንጋዛ ብወታደራዊ ሓይሊ ምምሕዳር ንመንግስቲ እስራኤል ይኹን ንህዝባ ዝጠቕም ኣይኮነን” ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

ካብ ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤል ሓሊፉ ወሽመጥ ጋዛ መን የመሓድሮ ኣብ ዝብል ጉዳይ ርኢቶ ካብ መሃብ ተቖጢቦም፡፡

ጦር እስራኤል ንጋዛ ከመሓድር ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኔታንያሁ ግን ካብ ሚኒስትር ምክልኻል እስራኤል ዮአቭ ጋላንት ተቓውሞ ገጢሙዎ ኢዩ።

እቶም ሚኒስትር ምክልኻል÷ ጦር እስራኤል ዝተሓሰበ ወታደራዊ ወፍሪ ምፍፃም እምበር ‘መዓልታዊ ምንቅስቓስ ጋዛ’ ብዝምልከት ሓላፍነት የብሉን” ኢሎም።

ኣሜሪካ ንእስራኤል ወታደራዊ ሓገዛት እናገበረት ዝፀንሐት ትኹን እምበር ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንነዊሕ እዋን ክዋፈር ፍቓድ ከምዘይሃበት ግን ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.