Fana: At a Speed of Life!

ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይናን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይናን ላዕለዎት ኣመራርሓ ብስልጠናን ብምርምርን ዓቕሞም ንምህናፅ ዘኽእል ስምዕምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት÷ ርእሰ ኣካዳሚ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዛዲግ ኣብርሃን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይና ፕሮፌሰር ጎንግ ዌቢን ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ስምምዕነት ናብ ስራሕ እንትእቶ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብስልጠና፣ ብምርምር ከምኡ እውን ኣብ ምምኻር ዓቕሚ ዝሃንፅ ሓገዝ ከምዝርከብ ትፅቢት ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ርእሰ ኣካዳሚ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዛዲግ ኣብርሃ÷ ድሕሪ ዝተገበሩ ብዙሓት ልዝባት ሎሚ ኣብ ስምምዕ ምብቅዑ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት÷ መራሕቲ እቲ ኣካዳሚ ንምብቃዕ እናወገኖ ዝርከብ ስራሕ ከምዝሕግዝ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.