Fana: At a Speed of Life!

ክላስተር ፕሮግራም ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ግድኡ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክላስተር ፕሮግራም ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ግድኡ ልዑል ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመት 2016ን ክላስተር ፕሮግራም ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ መድረኽ ግምገማ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ትካላት መሓዙት ልምዓትን ዕዳጋ ተኮር ኩታ-ገጠም ሕርሻ ንምስፋሕ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ጎንፂ ኣብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ስራሕቲ ክላስተር ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ ንኽቕፅል ኣብቀረባ እዋን ነቲ ክልል ዝተገበረ ሓገዝ ዝምልከት ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

እቲ ፕሮግራም ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ሲዳማን ኣብ 300 ወረዳታት ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.