Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዘይትፈቅድ እንተኾይና ዋጋ ክትከፍል ኢያ – ኢራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዘይትፈቅድ እንተኾይና ዋጋ ክትከፍል ኢያ ክትብል ኢራን ኣጠንቂቓ።

ቴህራን÷ “ዋሺንግተን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጎንፂ ክበኣኣስ ትገብር ኣላ” ክትብል ከሲሳ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢራን ሞሃመድ ሬዛ ኣሺቲያኒ፥ “ንኣሜሪካ ዘለና ምኽሪ ኲናት ንኽተቋርፅን ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽብፃሕ ድፍኢት ክትገብርን ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ግን ኣሜሪካ ዝኸፍአ መዘዝ ከምዝፅበያ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ጋዛ እናተኻየደ ዝርከብ ደም መፋሰሲ ኲናት ጠጠው ንኽብል ሓቲቶም፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ÷ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ባግዳድ ሃንደበታዊ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ናብ ቱርኪ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ፡፡

ብሊንከን ኣብ ኣንካራ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረጂፕ ጣይፕ ኤርዶሃን ኣብ እዋናዊ ኲናት እስራኤልን ሃማስ ጠሚቶም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ልዑል ውግእ እናተኻየደ እንትኸውን÷ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ኣጠናኺራ ብንቕፃል 450 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ኣፍሊጣ፡፡

ጦር እስራኤል እግረኛ ጦሩ ኣብ ኣንፈት ደቡባዊ ጋዛ ዝርከብ ጠረፍ ባሕሪ ከምዝተቖፃፀረ ዝሓበረ እንትኸውን፥ እቲ ከባቢ ንክልተ ብምቑራፅ ናይ ምድሪ ወፍሪ እናካየደ ምዃኑ ምሕባሩ ቢቢሲን ኣር ቲን ፀብፂቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.