Fana: At a Speed of Life!

ዝርገሐ ኮቪድ 19 ኣብ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይን ደቡብን ኣሜሪካ፣ ምብራቕ ኣውሮፓ ይብእስ ኣሎ – ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፃ ቫይረስኮሮና ገና ሐዚ’ውን ምሳና ክቕፅል’ዩ ኢሎም።

እቶም ዳይሬክተር ጀነራል ዋላ እኳ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ምዕራብ ኣውሮፓ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ እንተጎደለን ኣብ ገለ’ውን ኣብቲ ዘለዎ ደው እንተበለን፥ ኣብ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይን ደቡብን ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ምብራቕ ኣውሮፓ ዝርገሐኡ ይብእስ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ክንፍፅም የብልናን ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፥ ነዚ ኣብ ምቁፅፃር ገና ብዙሕ መንገዲ ይተርፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ “እዚ ቫይረስ ገና ምሳና ከምዝቕፅል ንዘክር” ኢሎም።

ሰባት ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉን ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝውሃብ መምርሒታት ከተግብሩን ከምዘለዎም ብምሕባር፥ እዚ እቲ ቀንዲ ዓለም ናብቲ ቅድሚ ቫይረስኮሮና ዝነብረቶ ክመልሳ ዝኽእል መገዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.