Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ኣባላት ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ሃገራትን ልዕሊ 20 ኣፍሪካውያን ሰብ ሃፍቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ሃገራትን ልዕሊ 20 ኣፍሪካውያን ሰብ ሃፍቲን ተዛቲዮም።

ዓውዲ ውልቀ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዘስዕቦ ምንጋዕ ኢኮኖሚ ኣብ ምፅዋር ዘለዎ ግደ ዘድሃበ ዘተ ከምዝነበረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ዝፀሓፍዎ ሓበሬታ የረድእ።

ስለዝኾነ “እቲ ዛዕባ ብዝምልከት ምስ ኣባላት ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ሃገራትን ልዕሊ 20 ኣፍሪካውያን ሰብ ሃፍቲን ዝገበርናዮ መድረኽ ዘተ ዕዉት ነይሩ” ኢሎም።

ንኮቪድ ፈንድ ኣፍሪካን ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣፍሪካን ድጋፍ ኣብ ምግባር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ባንኪ ንግዲ ኣታውን ወፃእን ኣፍሪካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንዘርኣይዎ ቁርፀኝነት እውን ንኢዶም።

ከም ኣህጉር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣብ ምጥንኻር ከምኡ ውን እቲ ቫይረስ ናይ ምምርማር ዓቕምና ምጉልባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ክብሉ ድማ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.