Fana: At a Speed of Life!

ንፁሃን ፍልስጤማውያን ንምድሓን ምስራሕ ከምዝግባእ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት እስራዔልን ሃማስን ደም ንፁሃን ፍልስጤማውያን ከይፈስስ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም።

ብሊንከን ኣብ ዝረኣዩ እዋናዊ ጉዳያት ንምምካር ናብ ቴል-ኣቪቭ ኣምሪሖም፡፡

ኣብኡ ድማ ኣቦ መስራቲ እስራኤል እናተብሃሉ ብኽብሪ ዝፍለጡ ዴቪድ ቤን-ጉሪዮንን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ጀሚሩ መበል 11 ፕሬዚዳንት እስራኤል ዝነበሩ ኣይዛክ ተቐቢሎምዎም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን÷ እስራኤል ንባዕላ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ገሊፆም።

“ብኸመይ መልክዑ እናተኸላኸለት ከምዘላ ግን ክፅናዕ ኣለዎ” ኢሎም፡፡

ብሊንከን ምስ ኣመራርሓታትን መራሕቲ ጦርን እስራኤል ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ዕፁው ኣኼባ ንምግባር ሓዚቦም ዝጀመሩዎ ዘተ ሙሉእ መዓልቲ ከምዝወሰደሎም እውን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ÷ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝካየድ ኲናት ንምትራፍ ቆሪፆም ከምዝተልዓሉ ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

ካብዚ ብምቕፃል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምምካር ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ትርከብ ሃገረ ዮርዳኖስ ዑደት ከምዝገብሩ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.