Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ስሩዕ ኣኼቡኡ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መኽፈቲ መደረኦም÷ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ዘላቒ ዓርሰ ምኽኣል መፍትሒታት ኣብ ዝሓዘዘ ፍኖተ ካርታን እዋናዊ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ጠሚቱ ምኽክር ከምዝግበር ኣብሪሆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋ ቀፀልቲ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብምዝታይ ኣንፈት ከምዘቕምጥ ሓቢሮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ “ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምስሊን ሉኣላዊነትን፣ ፈተናታትን መውፅኢ መገዲታትን” ብዝብል ዝተሰናደአ ሰነድ ናብቲ ቤት ምኽሪ ከምዝቐረበ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.