Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮረና ንምክልኻልን ዝፈጥሮ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምቅላልን ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓገዝ ይሓትት – ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ 14 ሚያዝያ 2012 ዓም (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮረና ንምክልኻልን ዝፈጥሮ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምቅላልን ሓገዝ መላእ ሕብረተሰብ ዝሓትት ምዃኑ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ብዛዕባ ዝግበር ሓገዝ ኣመልኪቱ ናብ ኩለን ቤት ፅሕፈታት ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ሽዱሽተ ነጥቢታት ዘሓዘ ስሩዕ ደብዳበ ፂሒፉ ኣሎ።

እቲ ቢሮ ኣብ ደብዳቤኡ ከምዝገለፆ፥ ኣቐዲሙ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቀፂሉ እውን ብቤትምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በጀት ዝምልከት ኣብ ዘሎ ዓንቀፅ፤ “እቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዘድሊ በጀት ካብ መንግስቲ ዝምደብ ኮይኑ፣ ካብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ጉዱሳት ውልቀሰባትን ክርከብ ከምዝኽእል ይገልፅ” ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ቫይረስ ኮሮና ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ንምቁፅፃር ሓገዝ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝነብሩ ሰባት፣ መንግስታውን ዘይመንግስታወን ትካላት፣ ከምዝሓትት እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ኮረና ቫይረስ ንምክልኻልን ዝፈጥሮ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምቅላልን ብርክት ዝበለ በጀት ዝሓትት እዩ፡፡ ነዙይ ድማ ናይ መላእ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝነብር ህዝቢ ድጋፍ ዝሓትት እዩ፡፡

ኣቀዲሙ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቀፂሉ እውን ብቤትምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በጀት ዝምልከት “ኣፈፃፅማ እዚ ኣዋጅ ዘድሊ በጀት ካብ መንግስቲ ዝምደብ ኮይኑ፣ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታወን ትካላት ጉዱሳት ውልቀሰባትን እውን ክርከብ ይኽእል፡፡ ነዙይ ህፁፅ እዋን ዝተመደበን ዝተኣከበን በጀት ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ፍሉይ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ተታሒዙ ይመሓደር ” ይብል።

ብመሰረት እዚ፦

1. በቢወረድኡን ከተመኡን ብገንዘብ መልክዕ ዝእከብ ድጋፍ ነዚ ኣዋጅ ብዘተግብርን ክፍፅም ሕጋዊ ተሓታትነት ብዘምፅእን ናይ ብሓቂ ነቲ ኮረና ምክልኻል ወይ ንዝተፀገሙ ወገናት ምውዓሉ ምርግጋፅ የድሊ፤

2. ሰብ ሃፍቲ በቢከባቢኡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክህቡ ይሕተቱ ምህላዎም ክህቡ ይደልዩ ይህቡ እውን ኣለዉ፡፡ ይኹን እንበር ሓታቲ ስለዝበዝሖም፣ ኣጠቃቅማኡ ብዝተወደበ መንገዲ ከይኸውን ስለዝገብሮ ናብ ሓደ ማእኸል እናተኣከበ ብኮማንድ ፖስት ዘውፅኦ መምርሕን ናብ ድጋፍ ዝደልዩሉ ከባቢ ወይ ብዝተማእኸለ ካብ ውሽጥን ወፃኢ ዓዲ ምዕዳግ ኣብ ዘድልዮ ማተርያል ክውዕል ናይ ቀረባ ኣመራርሓ ዘድልዮ እዩ፡፡ብዙይ ምኽንያት እውን ብገንዘብ ዝወሃቡ ድጋፋት ክምእኽሉ ምግባር ዝሓሸን መማረፂ ዘይብሉ እዩ፡፡

3. ድጋፍ ወሃብቲ ብዓይነት ገዚኦም ወይ ካብ መደብራት ስቶራት ዝህብዎም ድጋፍ ክሳብ ሕዚ ዝተገበረ ብጣዕሚ ፅቡቕ ምልዕዓል ዝፈጥርን ናይ ብሓቂ ዝተፀገሙ እውን ክበፅሕ ዝገብር፣ ይኹን እንበር በቢከባቢኡ ፅጉማት ብዙሓት ስለዘለዉ ኣብ መንጎ ዝተርፍ ከይህሉ እቲ ብዓይነት ዝወሃብ ድጋፍ ንናይ ሓፂር እዋን መፍትሒ ኮይኑ ከይተርፍ ዝተወሰነ ክፋሉ ኣብ ስቶር ዝቕመጠሉ ኣብ ዘድለየ እዋን ንዃራንታይን ዝኣተዉ ወይ ክሰርሑ ዘይምኽኣሎም ዝተፀገሙን ክውዕል ብምሕሳብ ክትግበር ኣንዊሕኻ ብምሕሳብ ክትግበሩ በቢከባቢኡ ccc (ሲሲሲ) ጥምረት ምድግጋፍ ማሕበረሰብ ብዝተጠናኸረ ክፍፀም፤

4. ብገንዘብ ኣታዊ ዝኸውን ብትልምን ፋይናንስን ናብ ዝተኸፈተ ባንክታት ቁፅሪ ኣታዊ ምስተገበረ ዝውሃብ ናይ ባንኪ ስሊፕ መሰረት ስሩዕ ደረሰኝ ንድጋፍ ወሃብቲ ክወሃቦም፤

5. ብዓይነት ዝወሃቡ ድጋፋት ብቀጥታ ንፅጉማት ምሃብ ወይ ንትካላት ምሃብ፡፡ ሕዚ እውን ብፅቡቕ ዝውሰድ ኮይኑ ናብ መንግስቲ (ጥዕና ትካላት፣ ቅድመ መጠንቀቕታታት ግብረመልሲ) ድጋፋት ዝህቡ እንተኾይኖም ክኣቱ እንተሎን ወፃኢ እንትኸውን ብስሩዕ ሰነድ ክፍፀም፤

6. ናይ ህዝቢ ድጋፍ ብገንዘብ ይኹን ብዓይነት ኣታኣታትውኡ ይኹን ኣጠቃቅማኡን ግልፅነት ክህሉ ብሚዲያ ምድጋፍ ኣብ ዝተኽኣሎ ክቃላሕ፣ በቢከባቢኡ ዘሎ ናይ በጀትን እቶትን ምትእኽኻብ ኮሚቴ ብስሩዕ ሪፖርት ድማ ሰሙናዊ ናብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን፣ ቢሮ ሕርሻ፣ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ክግበር ንሕብር።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.