Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ስምምዕ ሰላም ብምዝማድ ኣብ ኣፈፃፅማ ፍኖተ ካርታ ናይሮቢ ዝተመዝገቡ ተግባራት ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ስምምዕ ሰላም ብምዝማድ ኣብ ኣፈፃፅማ ፍኖተ ካርታ ናይሮቢ ዝተመዝገቡ ተግባራት ንኢዱ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንዘላቒ ሰላም ዝገበርዎ ስምምዕነት ኣብዚ ዕለት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ክልቲኦም ኣካላት ንዝኸፈልዎ መስዋእቲ፣ ቁርፀኝነቶምን ኣብ ትግራይ ድምፂ ተዂሲ ንከይስማዕ ንዝገበርዎ ሓበራዊ ስምምዕነትን ንኢዶም።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን እቲ ሕብረት ንዘርኣዮ ግደን መዳርግቲ ኣካላት ኣፍሪካ ንስምምዕነት ሰላም ዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦን አመስጊኖም።

ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ስምምዕ ሰላም ብምዝማድ ኣብ ኣፈፃፅማ ፍኖተ ካርታ ናይሮቢ ዝተመዝገቡ ተግባራት ከምዝንእድ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ርኽክብ ከበድቲን ማእኸለዎትን ኣፅዋራት፣ ዝተገበረ ሕድሳት መሰረታዊ ኣገልግሎት፣ ኣብያተ ትምህርቲን ንግዲን ምኽፋት፣ ጊዚያዊ ክልልዊ ምምሕዳርን ጉዳያት ሽግግር ፍትሒ ጉጅለን ከምኡ ውን ተመሳሰልቲ ተግባራት ምፍፃሞምን ምጥያሾምን ገሊፆም።

እዞም ወሰንቲ ተግባራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ንምምፃእ ክልቲኦም ኣካላት ንዘርኣይዎ ቁርፀኝነት ከምዘርእይ ገሊፆም።

እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ እወንታዊ ተግባራት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉን ዝተረፉ ጉዳያት ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንክፍትሑ ኣብ ምሕጋዝን ሕብረት ኣፍሪካ ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.