Fana: At a Speed of Life!

ዕዉትነት ዲፕሎማሲ ፖለቲካ ንዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ሰፊሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዉትነት ዲፕሎማሲ ዓውዲ ፖለቲካ ንዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ሰፊሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ተሰማዕነት፣ ፅዕንቶ ፈጣሪነትን ተረባሕነት ኢኮኖሚን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዕላዊ ዝኾነሉ ኢዩ ኢሎም።

ብብርኪ መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደትን ስምምዕነት ቀጥታ ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ረብሓ ሃገር ዘሐሉ ዝተፈላለየ ኣማራፅታትን ስምምዕነታትን ከምዝተፈፀሙ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 53 ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓዲ ኣብዚ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ቅድመ ዑደት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ቱሪዝም፣ ቴክኖሎጂን ኢኮኖሚን  ሰፊሕ መንቕቓሕ ከምዝተፈጠረ እውን ሓቢሮም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.