Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ኣብ መናእሰይን ተምሃሮን ምስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቹንቾን ዮክ ቶንግ ሃን ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዘጠናኽር መልክዑ ኣብ መናእሰይን ተምሃሮን ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

መበል 20 ዓመት በዓል ሕውነት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ቹንቾንን ርክበን ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ መርሃ ግብሪታት እናተዘከረ ይርከብ፡፡

ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሃንግ ሶክሂ፣ ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ዮክ ቶንግ ሃንን ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ልኡኽን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደጃዝማች ወንድይራድ ብምርካብ ኣብ ጉዳይ መናእሰይን ተምሃሮን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዑደት ገይሮም፡፡

ኣምባሳደር ሃንግ ሶክሂ ኣብቲ እዋን ዑደት ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን 70 ዓመታትን ዝተሳገረ ርክብ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ርክብ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ሓይሊ ጦር ቃኘው ሻለቃ ንኮሪያ ኩለመዳይ ናፅነት ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ መበገሲ ብምግባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1963 ዝተጀመረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ከንቲባ ዮክ ቶንግ ሃን ብግደኦም÷ ርክብ ክልተን ሃገራትን ከተማታትን ብዘጠናኽር መልክዑ ኣብ መናእሰይን ተምሃሮን ብሓባር ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብ ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ይህም ትብብር በትምሕርት ብቻ ሳይሆን በሁሉም ረገድ ተጠናክሮ እንደሚቀጥልም አረጋግጠዋል፡፡

ለአብነት የተማሪዎች የምገባ መርሐ-ግብርና የትምሕርት ቤት የደንብ ልብስ አቅርቦትን ጠቅሰዋል፡፡

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ከንቲባ ከተማ ቾንቹን ዮክ ቶንግ ሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ምግባሮም ስዒቡ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ንዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊነን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.