Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ምስ ሓለፍቲ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ሚኒስትር ኣማኻሪ ንግዲን ኢኮኖሚን ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ያንግ ይሃንግ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ቀፃሊ ምትሕብባር ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ሓገዝ ልምዓትን ክልቲአን ሃገራት ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ያንግ ይሃንግ ሓገዝ ልምዓት ብዝምልከት መንግስቲ ቻይና 4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዘውፅእ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዝህብ ብምርግጋፅ፤ ዝርዝር ጠለቡ ብወገን ኢትዮጵያ ንኽቐርብ ሓቲቶም።

ቻይና ንቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ 21 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዘውፅኡ መለዋወጢ ኣቑሑት ብሓገዝ ንምቕራብ ቅድም ክብል ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሕዚ 3 ሚሊየን ዶላር ዘውፅኡ መለዋወጢ ኣቑሑት ናብ ኣዲስ ኣበባ በፂሖም ኣብ ከይዲ ርኽክብ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.