Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ።

ኢብራሂም ቢኣሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ÷ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፈጠሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኢዩ ተቐቲሉ፡፡

እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ሃማስ ኣብ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዘዳለዉ ሓደ ምዃኑ ሚኒስቴር ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ፡፡

እግረኛ ጦር እስራኤል ኣብቲ ከባ ብዘካየዶ ወፍሪ ድማ ሃማስ እናተገልገለሎም ዝነበሩ ትሕዝቶታታትን መሰረተ ልምዓታትን ምቁፅፃር ምኽኣሉ ተሓቢሩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣየር ንፁሃን ዜጋታት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ተመልኪቱ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሳዑድ ዓረብን ቦሊቪያን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ነቲ ተግባር እናኾነነኦ ከምዝርከባ ሬውተርሰ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኲናት ክሳብ ሕዚ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 8 ሺሕን 500 ዜጋታት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.