Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ምስ ዝወከሉ ኣምባሳደራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዲሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ እሲያን ሃገራት ፓስፊክን ንኢትዮጵያ ምስ ዝወከሉ ኣምባሳደራትን ቆንስላ ጀነራላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘተ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣካይዶም።

እቶም ሚኒስትር፥ ብብርኪ ዓለም ተራኢዩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣምባሳደራት ኣብ ዝተወከሉለን ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሓቀኛ ሓበሬታ ረኺቦም ንርእሶም ካብ ኮቪድ-19 ንኽካለኸሉ ኤምባሲታት ዝገብረኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ኣጠናኺረን ንኽቕፅላ ኣይተ ገዱ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ዝርገሓ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ፥ ኣምባሳዳራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ብምምስጋን፤ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ እቶም ኣምባሳደራት ዝነብሩሉ ሃገር ወድዓዊ ኩነታት መሰረት ብምግባር ሃገራት እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝወስደኦ ዘለዋ ስጉምቲን ተሞክሮን ብመልክዕ ፀብፃብ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ምትሕስሳቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ቪዲዮ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሓዊሱ ዳይሬክተር ጀነራል ፓስፊክ እስያ ኣይተ ዳዊት ይርጋን ካብ ሃገራት ፓስፊክ እስያ ዝተወከሉ ኩሎም ኣምባሳደራትን ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.