Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ መቅደላ ኣብ ሞንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተለዓለ ጎንፂ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ መቅደላ ኣብ ሞንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተለዓለ ጎንፂ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ምሕላፉ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ተፈራ ሞላ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ፀገም ትማሊ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ጀሚሩ ኣብታ ወረዳ ቀበሌ 022 ኮሬ ተባሂላ ኣብ ትፅዋዕ ናይ ገፀር ከተማ ዝተፈጠረ ኢዩ።

መልዐሊ እቲ ጎንፂ እናተፃረየ ዋላ ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ ክልተ ውልቀሰባት ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ዝተለዓለ ጎንፂ ኣባላት ስድራ ቤት ናይቲ ሓደሰብ ሓዎም ብተቓራኒ ብዘሎ ኣካል ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወቱ ምሕላፉ ተዛሪቦም።

በዚ ዝተቐጥዑ ኣሕዋት ናይቲ መዋቲ እቲ ጎንፂ ንምቁፅፃር ናብቲ ቦታ ምስ ዝኸዱ ኣባላት ፀፅታ ብዝተገበረ ልውውጥ ተኹሲ ኣርባዕተ ፖላዊስ ሓዊሱ ብድምሩ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣይተ ተፈራ ገሊፆም።

መበገሲ ናይቲ ፀገምን ዝበፅሑ ሓደጋታትን ብፖሊስ ተፃርዩ ኣብ ቀፃሊ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝወሃብ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.