Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ራያ ንመዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ራያ ንመዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ዓፋር (ያለውን መጋልን) ከምኡ እውን ክልል ኣምሓራ (ዋግህምራ፣ ሰሜን ወሎን ደቡባዊ ምብራቕን) ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ወፃኢ ብምግባር ንመከላከሊ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ሓገዝ 200 ሸሕ ሳሙናታት ኣበርኪቱ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀነ፥ ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ብሓባር ኮይንካ ምክልኻል ኣድላዪ ምዃኑ ብምርዳእ ዝተገበረ ከምዝኾነ እዮም ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብግደኦም፥ ዩኒቨርሲቲ ራያ ገና ጀማሪ እኳ እንተኾነ ለበዳ ሕማም ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ልዑል ሓገዝ እናበርከተ ዝርከብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ሕዚ እውን ኣብ ዞባ እንተይተሓፀረ ምሰቲ ዞባ ዝዋሰና ሰሜን ወሎ፣ ዓፋር፣ ዋግ ህምራን ደቡባዊ ምብራቕን ዘበርከቶ ሓገዝ ዝነኣድ እዩ ብምባል፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድም ክብል እውን ንዞባ ደቡብ 500 ሊትሮ ባዕሉ ዘዳለዎም ሳኒታይዘርን ካብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ድማ 10 ሸሕ መሸፈኒ ኣፍ (ማስክ)ን ኣበርኪቱ ምንባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.