Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 11 ከተማታት ብ102 ሚሊየን ዶላር ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መስመር ’’ዲስትሪቢዩሽን’’ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 11 ከተማታት ብ102 ሚሊየን ዶላር ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መስመር ’’ዲስትሪቢዩሽን’’ ከምዝጅመር ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን እቲ ግልጋሎት ኣይተ መላኩ ታዬ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ መስመራት ዲስትሪቢዩሽን ብምእራጎም ምኽንያት ኣብ ከባቢ ከተማታት ምቁርራፅ ሓይሊ እናጋጠመ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝተመረፃ 11 ከተማታት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምዕባይ ዓቕሚን መስመር ’’ዲስትሪቢዩሽን’’ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ57 ሚሊየን ዶላር 4ይ ምዕራፍ መመሓየሺ ዲስትሪቢዩሽን ኔትዎርክ ንምግባር ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ወሰን እቲ ፕሮጀክት 19 ኪሎ ሜትሮ ሓዱሽ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝቕ  በር ማእኸላይ መስመር፣ 9 ኪሎ ሜትሮ ሓዱሽ ኣብ ኣየር ዝንጥልጠል ማእኸላይ መስመር ከምኡ እውን 647 ኪሎ ሜትሮ ነባር ኣብ ኣየር ዝንጥልጠሉ መስመራት ሕድሳት ከምዝውገን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 2 ሺሕ ሓደሽቲ ትራንስፎርመራት ተኸላን ናይ ሰለስተ ሓደሽቲ ስዊችንግ ስቴሽናት ስራሕቲ ተኸላን ከምዝካየድ ብምሕባር፥ ተወሰኽቲ 2 ሺሕ ነባር ትራንስፎርመራት ስራሕቲ ምሕዳስ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማታት ኣሶሳ ፣ ኣምቦ ፣ ጅግጅጋ ፣ ነቀምት ፣ ደብረብርሃን ፣ ቢሾፍቱ ፣ ኣሰላ ፣ ዲላ ፣ ሆሳእናን ሱሉልታን ብ45 ሚሊየን ዶላር ተመሳሳሊ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኔትወርክ ከምዝካየድ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ብሰለስተ ሎት ተኸፊሉ ዝውገን እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ናይ 200 ሓደሽቲ ትራንስፎርመራትን 1 ሺሕ ትራንስፎርመራትን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ከምዝካየድ ገሊፆም፡፡

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ልቓሕ ዝካየድ ስራሕቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ኣብተን ከተማታት ዝህሉ ፀገም ምቁርራፅ ሓይሊ ብልዑል ኩነታ ከምዝፈትሖ ኣይተ መላኩ ኣብሪሆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.