Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብ”ቴሌፎን” ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኮቪድ 19 ዘስዕቦ ምንጋዕ ኢኮኖሚን ውሕስነት ምግብን ሓቢርካ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

“ኣህጉርና ድሕሪ ኣብ ቶክዮ ዝተሳለጠ ዓለም ለኻዊ ኣኼባ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ እዋን ፀገም ዝሕግዝዋ ጠንካራ ኣካላት ከምዘፍረየት ዘረጋግፅ ዘተ ኢዩ ነይሩ” ድማ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.