ተፈታውነት ቡን ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብዕቱብ ምስራሕ ይግባእ – ሚኒስቴር ሕርሻ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘለዎ ተፈታውነትን ተመራፅነትን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብዕቱብ ምስራሕ ይግባእ” ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ወፃኢ ንግዲ ቡን እናተመዝገበ ብዘሎ ዘዕግብ ውፅት ምዝንጋዕከይፍጠር ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ ምቹው ንብረት ኣየር፣ ሰፊሕ መሬት ከምኡ እውን ሓይሊ ሰብ ብዙሓት ዕድላት ከምዘለዉዋ ገሊፆም፡፡
“ኣብቲ ዓውዲ እናተኸተልናዮ ምስ ዘሎ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ውፅኢ ኢልና ምሕሳብ ይግባእ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም፡፡
ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ዘመናዊ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ ንፅት ፍሉይ ጠመተ ብመሃብ እታወት ዝተወሰኸሎም ፍርያታት ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣታዊ ምድንፋዕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com